ጻውዒት ንግዳያት ንግዲ ሰባት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ

ኣብ መንጎ 2016- 2024 ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተበጊስካ ብሱዳንን ሊብያን ጌርካ ንኤውሮፓ ኣቲኻ ዲኻ? ግዳይ ወይ ምስክር ናይ ንግዲ (ስምስርና) ሰባት፣ ዝርፋ ወይ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ`ዚ ጉዕዞ ኔርካ`ዶ? እንተ ኔርካ ንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ከዘራርበካ ይደሊ ኢዩ።

For English, click here.
Voor Nederlands, klik hier.

ዝርዝር ጉዳይ
ቦታ ገበን: ሱዳንን ሊብያን
ዕለት ገበን: ኣብ መንጎ 2016-2024

ንትዕዛዝ ኣገናንባብ
ዋትስኣፕ (WhatsApp), ቫይበር (Viber) ወይ ኢሞ (IMO): +31 6 575 70 711
ኢመይል (email): contactus@mindef.nl

ኣብ`ዚ ታሪኽ ንካብ ኤርትራ ሃዲሙ ዝወጸ፣ ንንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ምስክርነት ዝሃበ ሰብ ክትረኽቡ ኢኹም። ንሱ እቲ ርክብ ከመይ ከምዝነበረ፣ ምስክርነት ምሃብ`ውን ንምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኢዩ።

ገበናዊ መርበባት ኣብ ክልል ንግዲ (ስምስርና) ሰባት

ንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ብመገዲ ባሕሪ ማእከላይ መዲተራንያን ኣብ ንግዲ (ስምስርና) ሰባት ንዝሳተፉ ገበናዊ መርበባት ይምርምር። እዚ መገዲ`ዚ ካብ ኤርትራ ሃዲሞም ዝወጹ ሰባት ዝጥቀሙሉ መገዲ ኢዩ። ዝተፈላለዩ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ ክሳብ ሕጂ ኣብ`ዚ መስመር`ዚ ብፍላይ ኣብ ሱዳንን ሊብያን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝወርድ ግፍዒ ኣሎ። ኣብ`ዘን ሃገራት ብዙሓት ኣብ መዓስከር ዝተኣስሩ ሰባት ኣሎዉ። እዞም ስደተኛታት ካብ`ኡ ወጽዮም ጉዕዞኦም ክቕጽሉ መታን ቤተ ሰቦም ገንዘብ ክኸፍልሎም ኣሎዎም።

ሓድሽ ገበናዊ መርመራ

ብመገዲ ባሕሪ ማእከላይ መዲተራንያን ኣብ ስምስራና ሰባት ዝነጥፉ ኣባላት ገበናዊ መርበብ፣ ብንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ተለልዮም ዝተኣስሩ ሰባት ኣሎዉ። እዚ ብንጉሳዊ ወተሃደራዊ ፖሊስ (KMar) ተጀሚሩ ዘሎ ሓድሽ ገበናዊ መርመራ ኣብ ካልኦት ኣብ`ቲ መስመር ዝነጥፉ ገበናዊ መርበባት ዘተኮረ ኮይኑ፣ ገበኛታት ናብ ሕጊ ምቕራብ ዝዓለመ ኢዩ። ቃል ምስክርነት ናይ ግዳያትን መሰኻኽርን ነዚ መርመራ ብጣዕሚ ኣገዳሲ ኢዩ።

ፍሉይ ቴለፎን ቁጽሪ

ካብ ኣብ`ዚ ዝተጠቕሰ መስመር ንዘጋጠመ ንግዲ ሰባት ግዳይ ወይ ምስክር ዲኻ? ግዳይ ዝኾነ ወይ ክምስክር ዝኽእል ሰብ ትፈልጥ`ዶ? ብቋንቋኻ ጌርካ ኣብ ታሕቲ ብዘሎ ምርጫታት መልእኽቲ ክትልእኽ ትኽእል ኢኻ። መልእኽትኻ ምስተቐበልና፣ ካብ ክፍሊ መርመራ ክንድውለልካ ኢና። ዋላ ምስክርነት ንምሃብ ጌና ድልው እንተ ዘይኮንካ፣ ወግዓዊ ዘይኮነ ምይይጥ ንክትገብር፣ ብቋንቋኻ መልእኽቲ ሰዲድካ ሕቶታት ክትሓትትን ስክፍታኻ ክትገልጽን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ገለ ገለ ኩነታት፣ ብምስጢር ምስክርነት ምሃብ ይከኣል።

ዋትስኣፕ (WhatsApp)፣ ቫይበር (Viber) ወይ ኢሞ (IMO): +31657570711
ኢመይል (email): contactus@mindef.nl

ብስእሊ ወይ ቪድዮ ዝተቐርጸ ነገራት ምስ ዝህልወኩም፣ በቲ ዝተጠቕሰ መገድታት ልኣኹ። ብውሑስ መገዲ ስእሊ ንኽትልእኩ ናይ ኣፕ ሎድ ሊንክ (upload link) ክንህበኩም ንኽእል ኢና።